ኣሸንዳ ትግራይ ብንኽእሎ ንዓለም ነላሊ!

እቲ ውቁብ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ትግራይ ስርዓቱን ባህሉን ሓልዩ ንክኽበርን ንክላለን ኩሉ ሰብ በቢሞይኡ:ብፍላይ ከኣ ኣዋልድ በብዓቕመን ክሰርሓ ይግባእ።

Ashenda.org ነዚ ዓብይ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ምዕቃብን ምልላይን ዝሰርሕ ድርጅት ኮይኑ:ንኣሸንዳ ዘድልዩ እታዎታት እውን ዘቕርብ መድረኽ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።
ኣታዊና ንድርጅትና መጠናኸሪ ስለዝውዕል:ኣሸንዳ ብዘላቕነት ንምዕቃብ:ምሳና ስርሑ።ኣሸንዳ ብስርዓቱ እናተኸበረ:ደቂ ኣንስትዮ መንነተን ዘንፀባርቓሉ: ክእለተንን ልምደንን ዝካፈላሉ ፍልፍል ሓድነትና ብምዃን:ናብ ወለዶታት ንክመሓላለፍ ሓቢርና ንስራሕ።

ኣዋልድ ትግራይን ፈተውቲ ባህላዊ ትውፊታትን ትግራይ  በቢዘለወኦ ዓዲ ካብ Ashenda.org ባህላዊ ቀምሻትን መጋየፅታትን online ብምግዛእ:ንኣሸንዳን ካልኦት ጉዳያትን ብባህሊ ዓደን  ኣጊፀን ባህለን ንህዝቢ ዓለም ከፋልጣ ዝኽእላሉ ዕድል ተመቻችዩ ኣሎ።

ሓንቲ ጎርዞ ብባህሊ ዓዳ ማዕሪጋ:ብማሕበራዊ ሚድያ ብምልቃቕ ጥራሕ ባህሊ ዓዳ ተፋልጠሉን ትርበሐሉን ናይ ‘ድጅታል’ ዘበን ኢና ዘለና ንጠቐመሉ።

“ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዒፍ።” ከም ዝበሃል:ብባህላዊ ፍርያትና ዘኒጥክን እናተዝናነኽን ኣሸንዳ ንዓለም ኣላልያ!

ኣሸንዳ ብዋናነት ዕድሚአን ልዕሊ 13 ዓመት ዝኾና ዘይተመርዓዋ ኣዋልድ:ከምኡ እውን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉን ደቂ ተባዕትዮ ብቕርበት ዝዕዘብዎን በብዓመቱ ካብ 16-21 ነሓሰ ዝኽበር ውቁብ በዓል እዩ።

ቆልዑ ኣሸንዳ: ብባህላዊ ቀምሽ ማዕሪገን:ካብ ጨጉሪ ርእሰን እስካብ ፅፍሪ እግረን ኣጊፀን:እናደረፋን እናሳዕሰዓን እየን ኣሸንዳ  ዘኽብራ።

ካብ መጋየፂታት ቆልዑ ኣሸንዳ ኩትሻ:ዝብጦ:ጎባጉብ:ኣልቦ:ወለባ: ሓምባር:ሽቦ:ስንዱድን መስቀላትን ብውሕዱ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ’ቲ ካብ ሕድ ሕድ ገፀር ክሳብ ከተማ ዝተውፃእፀኣ ኣዋልድ ዘኽብረኦ ብዓል ኣሸንዳ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ቀምሻት:ቁኖታት: መጋየፂታትን ምርኣይ ልሙድ እንትኸውን:ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትን ቅድን ዘለዎም ደርፍታትን ዓይነታት ስዕስዒታትን እውን የካይዳ እየን።

ካብቲ ደርፍታተን ንምጥቃስ ዝኣክል:-

“እስክቲ በቲ

እቲ

እስክቲ በቲ

እቲ

ኣደዋየ እቲ

ኮሓልኒ እቲ

ጣስምኒ እቲ

በዓል ፈረስ እቲ

ክወስደኒ

በዓል ኣድጊ አቲ

ክሓድገኒ

ሰብኣይ ተደሊኽንየ

የለን መሞቲኽንየ” እናበላ ከምዝደርፋ ይንገር።

ተጋሩ ካብ ኣከባብራ ብዓል ኣሸንዳ ዝያዳ  ተረባሕቲ ንኽንከውን ኣዝዮም  ሓያሎ ስራሕቲ ይፅበዩና።ካብዙይ እቲ ዝቐለለ promote ምግባር እዩ።

እዚ ንምስኻዕ ከዓ ትካላዊ ክትትልን እኹል ናይ ሚድያ ሽፋንን ክዋሃቦ ኣለዎ።ነዚ ክፍተት ንምፅባብ ብወገንና እናሰራሕናሉ ንርከብ።መብዛሕትኡ ግዜ ብትግርኛን ኣምሓርኛን ክወሃቦ ዝፀነሐ ናይ ሚድያ ሽፋን ንተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ተበፃሒ ኣይኮነን።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዋ ተጋሩ እውን ካብ’ቲ ክገብርኦ ዝፀንሓ ብዝበለፀ:በብዘለውኦ ዓዲ ከኽብርኦን ንህዝቢ ዓለም ከፋልጥኦን ይግባእ።እዙይ ከዓ እናተዝናነኻ promotion እዩ ዝኾን ዘሎ።

ሕዚ ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ሓድነትን ስራሕን ዘድልየሉ ወሳኒ ወቕቲ ስለዝኾነ:ኣብ ኣሸንዳ ይኹን ኣብ ካሊእ “ንሳዕስዕ እሞ ስራሕና ኣይንረስዕ።”

ቆልዑ ኣሸንዳ ብዘበን ደርጊ “ከመዓልካ ኢለዮ ንፀሊም እምኒ ሰብ መሲሉኒ።” ኢለን ብምድራፍ ኣብ መንግስቲ ዝነበረን ተቓውሞ ይገልፃ ምንባረን ይዝከር።

ኣመፃፅኣ ብዓል ኣሸንዳ ብዝምልከት:ሊቃውንቲ ሃይማኖት ክርስትና: መሰረትን ኣከባብራን ብዓል ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ  ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብ’ቲ ብዓል ባህላዊ ትሕዝቶታት ምንፅብራቕ ግን ዝኹነን ሓጥያት ኣይኮነን።

ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ምዕቃብ ባህልን ታሪኽን ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ:ዓብዪ ተራ ከምትፃወት ይፍለጥእዩ።

ምኽባር ብዓል ኣሸንዳ ሓያሎ  ባህላዊ:ኢኮኖምያዊ:ማሕበራዊ:መንፈሳዊ:ስነ-ምሕደራዊ: ኣመራርሓን ካልኦትን ረብሓታት ኣለዉዎ።

መምህር ሓለፎም ገዛኢ ኣብ ናይ 2011ዓ.ም ሕታሙ

“ብዓል ኣሸንዳ ቤተ ክርስቲያን ዓቂባ ዘፅነሐቶም ጥንታዊ ክብርታቱን 

መሰረታቱን ብምሕላው ኣብ UNESCO ከመዝግብዎ ዝኽእሉ 

መንፈሳዊ፣ ባህላዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ረብሓታት 

ኣለዉዎ” ይብል።

ይኹን እምበር ኣመፃፅኣን ስርዓት ኣከባብራን ኣሸንዳ ትግራይ ብዘይ እኹል መፅናዕትን ትንተናን ሃይማኖታዊ ወይ ባህላዊ በዓል  ጥራሕ ኢልካ ምድምዳምን ምኽባርን ነናይ ባዕሎም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጥቕምን ጉድኣትን ከምዘለዎም የተሓሳስብ።

Contact us

+1 (657) 262-9648

(971) 524265338

ashenda.org@gmail.com

Find us

Dallas, Texas

Dubai, United Arab Emirates

Copyright © 2023 Ashenda | All Rights Reserved